FNAN avails its professional volunteers to support the community with Housing, immigration and other issues.
FNAN avails its professional volunteers to support the community with Housing, immigration and other issues.
FNAN Zoom drop-In:
ስሩዕ ናይ ፍናን ምኽርን ሓበሬታን ኣገልግሎት
https://zoom.us/j/97871611926
Room: 97871611926
Every Wednesday 7:00PM - 9:00PM GMT
ካብ 05 ነሓሰ 2020 ጀሚራ ረቡዕ፡ረቡዕ 7:00PM - 9:00PM
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍናን ንማሕበረሰብና ናይ ምኽርን ሓበሬታን ኣገልግሎት ብስሩዕ መደብ ካብ 5 ነሓሰ 2020 ጀሚራ ሰሙናዊ ረቡዕ፡ረቡዕ ናይ ክልተ ሰዓት ኣገልግሎት ካብ 7:00PM ክሳብ ሰዓት 9:00PM ብዙም ZOOM ኣቢላ ክትህብ ምዃና ብትሕትና ተበስር።
ኣብዘን ሰዓታት ፍናን ሰብ-ሞያ ወለንተኛታታ ቀሪባ፡
ንቤተሰብ ዝምልከቱ ማሕበራዊ ጉዳያት ፍታሕ ከተናዲ
ዓርከ-ተምሃርነት ኣስፊና ቀጻሊ ድጋፍ ንመንእሰያት ክትህብ
ህጻናትና ብግቡእ ክህነጹ ዝበለጸን እዋናዊን ሓበሬታት ከተወፊ
ኣእሞሮኣዊ ግንዛቤታትና ከነዕቢ ክትላቦ
ነብስና ኣማዕቢልና ከመይ ኣቢልና ናብ ስራሕ ዓለም ከምነምርሕ
ብኸመይ ህይወት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክንመርሕ ከምእንኽእል
እዚኦምን ነዚኦም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት፡
መልሶም ምሳኹም ሓቢራ ክትፍትሽ ተቐሪባ ኣላ።
በረኸትኩም ኣይፈለየና።
Read More
This video is prepared to commemorate Mental Health Awareness Week (May 18 to 24 / 2020) - The theme this year is BE KIND!
ክቡራት ኣሓትን / ኣሕዋትን እዚ ሰሙን፡ ሰሙን ዝኽሪ ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወ፡፡ ቴማ ናይዚ ዓመት ከኣ ርህራሄ እዩ።
ርህሩህ ኩን። ርህርህቲ ኩኒ። ርህሩሃት ንኹን።
ፍናንኩም ኣይፈለየና | Thank you
Read More
A reminder - FNAN Zoom drop-In
https://zoom.us/j/97871611926
in today's (November 11, 2020)session:
Engineer Mesfin will deliver a brief presentation on "New Developments in the Construction Industry" before we go for the breakout rooms.
All welcome | FNAN
ንመዘኻኸሪ ስሩዕ ናይ ፍናን ምኽርን ሓበሬታን ኣገልግሎት
ኣብ ናይ ሎሚ 11 ሕዳር 2020 ሓውና ኢንጂኔር መስፍን ፡ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ሓጺር መብርሂ ክህበና ተዳልዩ ኣሎ። ሃየ ድኣ ምኽሩ ንካፈሎ።
ብደሓን ምጹ | ፍናን
Read More
On December 16 2020, FNAN Drop-In Wednesday's programme, Shiden Solomon will deliver a brief presentation on the current knowledge of COVID-19, treatments and brief insight in to what the vaccination plans entail.
ኣብ ናይ 16 ታሕሳስ ናይ ረቡዕ፡ረቡዕ ብመገዲ ዙም ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ናይ ፍናን ፕሮግራም ሓውና ሽደን ሰሎሙን ብዛዕባ ኮቪድ-19 ክትባት ኣገዳስን ሓፈሻዊን ኣስተምህሮ ስለዝህብ፡ ኣፍልጦ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ክህልወኩም፡ ኮቪድን ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ዝወሃብ ዘሎ መምርሒታት ኣፈዋውስኡን፡ ሕቶታትኩም ክምልስ፡ ስክፍታትኩም ከተካፍሉ ፍናን ብኽብሪ ትዕድም።
ረቡዕ ታሕሳስ 16 2020, 7:00PM - 9:00PM
December 16 2020, 7:00PM - 9:00PM
zoom: https://zoom.us/j/97871611926
--Join Us
ብደሓን ምጹ
ፍናን FNAN ZOOM DROP-IN Link ON COVID-19 vaccination programme https://zoom.us/j/97871611926
FNAN DROP-IN is a weekly zoom session run by volunteers to help Eritrean Community on Family matters, Mentoring & youth development, child development, Mindset development, Skill development and careers advice, and Life in the UK skills.
FNAN DROP-IN ንቤተሰብ ዝምልከቱ ማሕበራዊ ጉዳያት ፍታሕ ከተናዲ፣ ዓርከ-ተምሃርነት ኣስፊና ቀጻሊ ድጋፍ ንመንእሰያት ክትህብ፣ ህጻናትና ብግቡእ ክህነጹ ዝበለጸን እዋናዊን ሓበሬታት ከተወፊ፣ ኣእሞሮኣዊ ግንዛቤታትና ከነዕቢ ክትላቦ፣ ነብስና ኣማዕቢልና ከመይ ኣቢልና ናብ ስራሕ ዓለም ከምነምርሕን ብኸመይ ህይወት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክንመርሕ ከምእንኽእልን እተሳሲ ብወለንተኛታት እተገልግል ሰሙናዊ፡ ረቡዕ ረቡዕ ናይ ፍናን መደብ እያ።
በረኸትኩም ኣይፈለየና።
Read MoreFnan launched its weekly Drop-IN session:
FNAN ZOOM DROP IN is a permanent fixture of FNAN services.